Skip to main content
Loading Events

« All Events

  • This event has passed.

ምይይጥ ማሕበረሰብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን፡- ቐጥታዊ ዕላለ ብዛዕባ ኽታበት ኮቪድ-19

January 19, 2021 @ 3:00 pm - 3:45 pm

ንማሕበረሰብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን

ፒፋይዘርን ሞደርናን ዝተብሃላ ክታበታት ኮቪድ -19 ኣብ ዚ ሀዚ እዋን ዝበፃሓና እንትኸውን ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ነተን ክታበታት እናተኸተቡ ይረከቡ፡፡ ንኹላትና ኣፀጋማይ ንዝነበረ ወቕቲ ሰጊርና ዝመፅእ ዘሎ ወቕቲ ንክኽፅብቐልና ተስፋና ወሰን የብሉን፡፡

እዚኦም ክታበታት ንቫይረስ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ቐንዲ ስጉምቲታት እንተኾኑንን፤ ብዛዕባ እዚኦም ክታበታት ኣብ ማእኸል ሕምክና ዩኒቨርሰቲ ዋሽንግተን፣ ማሕበራዊ ሚዲያ፣ ቴሌቪዥን፣ራዲዮን ፍልፍል ካልኦት ሓበሬታትን ከም ኣባል ስድራን ዓርክን ዝኣመሰሉ ዋላኳዕ ሓበሬታ ዝረኸብኩም እንተኾነውን መብዛሕቲኹም ሕቶን ሪኢቶን ከምዘለኩም ተረዲእና ኣለና፡፡

ንሕቶታትኩምን ሪእቶኹምን ንምምላስ ብርክት ዝበሉ ስሩዕ መደባት ዕላለ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብ ዙም ኣቢልና እናካየድና ንርከብ፡፡ ኩሎም እዚኦም መደብ ዕላለታት ብናይ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን ሓካይምን ክኢላ ክታበታትን ዝግበር እዩ፡፡ እዚ መደብ ነካይድ ከምዘለናን ንዓኻትኹም ድሉው ከምዝኾኑን፤ ኩሎም ሓለፍቲኹም/ማናጀራትኩም ከምዝፈልጡን ፤መእንታን ክትከታተሉዎም ‘ውን ሰዓት ንኽምድቡልኩምን ገይርና ኣለና፡፡

ምይይጥ ማሕበረሰብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን፡- ቐጥታዊ ዕላለ ብዛዕባ ኽታበት ኮቪድ-19

ብትግርኛ ዕለት 01/19 ካብ 3፡00-3፡45 pm ብ ዶ/ር ዳንኤል ካብሬራ + ተርጓማይ

https://washington.zoom.us/j/92660086987

ንመደባት ካልኦት ቋንቋታት በጃኻትኹም ስዒቡ ካብ ዝርከብ ሊንክ/መተአሳሰሪ ይርኣዩ፡፡

ኩሉም ሰራሕተኛታት፣ተምሃሮ፣ፋኩልቲ፣ኣቕረብቲን ስታፋትን ንኽትከታተሉ ነተባብዕ፡፡

በጃኻትኹም ምስሕቶታትኩም ተዳሊኹም ቅረቡ፡፡ኩሎም ምይይጣት ብሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝጅመሩ እንትኸውን ካብ ኡ ናብ ሕቶን መልሲን ክሰግሩ እዮም፡፡

ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

Details

Date:
January 19, 2021
Time:
3:00 pm - 3:45 pm
Event Tags:
,

Organizer