Skip to main content
Loading Events

« All Events

  • This event has passed.

ምይይጥ ማሕበረሰብ ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን፡- ቐጥታዊ ዕላለ ብዛዕባ ኽታበት ኮቪድ-19

March 16, 2021 @ 3:00 pm - 3:30 pm

Join Zoom

ኣብዚ ሀዚ እዋን ክታበታት ኮቪድ -19 ንማሕበረሰባት ኣብ ምስርጫው ደረጃ እንትርከቡ ፤ ንኹላትና ኣፀጋማይ ንዝነበረ ወቕቲ ሰጊርና ዝመፅእ ዘሎ ወቕቲ ብዝሓሸ መልክዕ ንምስዳር ብተስፋን ሃንቀውታን ንርከብ፡፡

እዚኦም ክታበታት ንምክልኻል ቫይረስ ኮቪድ-19 ቐንዲ ስጉምቲታት ዋላኳዕ እንተኾኑ’ውን፤ ብዛዕባ እዚኦም ክታበታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፣ ኣብ ቴሌቪዥን፣ኣብ ራዲዮንን ኣብ ፍልፍል ካልኦት ሓበሬታትን ከም ኣባል ስድራን ዓርክን ዝኣመሰሉ ዋላኳዕ ሓበሬታ ዝረኸብኩም እንተኾንኩም መብዛሕቲኹም ሕቶን ሪኢቶን ከምዘለኩም ተረዲእና ኣለና፡፡

ንሕቶታትኩምን ሪእቶኹምን ንምምላስ ብርክት ዝበሉ ስሩዕ መደባት ዕላለ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብ ዙም ኣቢልና እናካየድና ንርከብ፡፡ ኩሎም እዚኦም መደብ ዕላለታት ብኪኢላታት(ክሊኒሽያናት) ማእኸል ሕክምና ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን ዝምርሓ እየን፡፡

ኩሉ ሰብ ንኽክከታተሎ ነተባብዕ፡፡

ብኽብርኹም ምስሕቶታትኩም ተዳሊኹም ቅረቡ፡፡ኩሎም ምይይጣት ብሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝጅመሩ እንትኸውን ካብ ኡ ናብ ሕቶን መልሲን ክንሰግር ኢና፡፡

ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም፡፡